Läs information om projektet på andra språk.
መደብ ዕዮ መጻኢ ንሓደስቲ ናብ ሃገረ ስዊደን ዝኣተዋ ኣብ ክልል ዕድመ 18-29 ዝርከባ ደቀንስትዮ ነበርቲ ከተማ ስቶክሆልምን ያርፋላ ኮሙንን ናብ ናይ ስራሕ ሂውት ዝመርሕ መደብ ኢዩ:: እዚ መድብ ዕላምኡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ኣባላቱ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስልጠና ብምኽፋት ናብ ስራሕ ዓለም ዝጽንበራሉ ኩነታት ምፍጣር ኢዩ::
ከም ተሳታፊት እዚ መደብ መጠን ሓሙሽተ ዝተፊላለዩ ዕድላት ስልጠና ክትሳተፊ ትኽእሊ: ንሳቶም ከኣ ኣፍልጦና ብዛዕባ ዕዮን መጻኢናን ነማዕብለሉ ትምህርቲ (arbetsmarknadskunskap): ትምህርቲ ኮምፒተር (datakunskap): ኣገባባት ምሕታት ስራሕ ( jobbsök): ልምምድ ናይ ስራሕ ኢንተርቪው (intervjuträning) ከምኡ ውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ኮሙናት:: ተሳተፍቲ’ዚ መደብ ኣብቲ ናይ ምጀምያ ርክብ ሜንቶር/ ተሓጋጋዚት ክግበረልክን ኢዩ:: እዛ ተሓጋጋዚት ንፍርቂ ዓመት ዝኣክል ስራሕ ኣብ ምርካብ ኣብ እትገብርዮ ገስጋስ ክትተሓጋገዘኪ ኢያ:: ኣብዚ መደብ ትሳተፋ ደቀንስትዮ ተቋደስቲ ናይዚ ውሕሉል መደባትና ክትኮና ኢኽን::
ኣብ ስእሊ ትርእይወን ዘለኩም ሜንቶር መጻምድቲ Tua ከምኡ ውን Pascaline:: ስእሊ: Hedda Axelsson::
”ኣነ ኣብዚ መደብ ከም ሜንቶር ኮይነ ክዓዪ ዕድል ብምርካበይ ብጣዕሚ ሕጉስቲ ኢየ: ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ Pascaline ምላየይ:: ምኽንቱ ምስ ሓንቲ ካብ ናተይ ብዝተፈለየ ኣነባብራ ሂወት ዝዓበየትን እትነብርን ሰብ ተሞክሮ ስራሕ ክለዋወጥ: ዝተፈልየ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ነገራት ክህልወኒ ከምኡ ውን ሕጉስ ግዜ ክሕልፍ ብምኽኣለይ ብዋጋ ዘይትመን ዕጋበት ይስመዕኒ:: ከምኡ ስለ ዝኮነ ነዚ መደብ ክትጽንበርኦ የማኽረክን::” -Tua, Mentor
ኣብዚ መደብ ክትሳተፋ ዝፍቀደልክን:
ክትገብርዮ ዝግበኣኪ:
መን ኢዩ ሜንቶር ክኸውን ዝፍቀዶ
ትጽቢት ካብ ሜንቶር
ኣብዚ ታሕቲ ተመዝገቢ:-
(ተሓጋዝን/ሓጋዝን) ንምርካብ ንገብሮ ስራሕ ንክሕግዘና ኢዩ::
Vi vill göra det enkelt för er att hitta information och verktyg att använda under mentorskapet. Därför har vi samlat våra bästa tips och övningar som ni kan använda er av under programmet.
ዝኮነ ሓገዝ ኣድልዩኩም ክትረኽቡና ምስ ትደልዩ:
Projektledare: Matilda Hardmeier
ሓላፊት ፕሮጀክት: Matilda Hardmeier
framtid@nyakompisbyran.se
0760237177
ተሳተፍቲ ዕዮ መጻኢ ብኣካል ዝሳተፍዎ ፕሮጀክት ስለዝኾነ ምስ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ናይ ምኒስትሪ ጥዕና ለበዋ ከነማልእ ክንግደድ ኢና: ገለ ናይ ምርኻብ መደባት ውን ብዲጂታላዊ መንገዲ ከነካይዶም ኢና:: ኣብዚ መደብ ተሳታፊት ምስትኾኒ ዝያዳ ሓበሬታ ክወሃበኪ ኢዩ: ወይ ድማ ገለ መዓልታት ቅድሚ’ዚ መደብ ምጅማርኪ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቢ ኢኺ::
ዕዮ መጻኢ ብ ከተማ ስቶሆልም ዝውነን ምስ Nya kompisbyrån ብምምውህሃድ ዝነጥፍ ፕሮጀክት ኢዩ:: እዚ ፕሮጀክት’ዚ ምስ ያርፋላ ኮሙን ውን ይነጥፍን ብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ድማ ይምወል::